ሰራሕተኛታት በዓል-መዚ ወደብ ባጽዕ፡ ብ26 ሰነ ኣብ ዝወደቡዎ ርክብ፡ ሽዱሽተ ስድራ ስዉኣት ንምእላይን ንምሕብሓብን ሓላፍነት ወሲዶም።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ በዓል-መዚ ወደባት ኤርትራ ኣቶ ዳዊት መንግስትኣብ፡ እነስተማቕሮ ዘሎና ናጽነትን ሰላምን ሳላ ተበጃውነት ሰማእታትና ዝተረኽበ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ሰራሕተኛታት ወደብ ባጽዕ ንዝወሰዱዎ ተበግሶ ሞጒሱ። እቶም ስድራ ስዉኣት፡ ከም ኩሎም ሰራሕተኛታት ናይ’ቲ ትካል፡ ኣብ’ቲ ወደብ ናጻ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክረኽቡ ምዃኖም እውን ገሊጹ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ ድማ፡ ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ሃዳሙ ን33 ስድራ-ስዉኣት 18,150 ናቕፋ፡ ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ማይ-ወርቂ ን25 ስድራስዉኣት 12,500 ናቕፋ ሓገዝ ኣበርኪቶም።

ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ህዝቢ ምምሕዳር ከባቢ ሰሳሕ ናይ 52 ስድራ-ስዉኣት፡ ነበርቲ ዓድታት እንዳደቆ፡ ዝባንሰራውን ጉራዕን ናይ 39 ስድራ-ስዉኣት፡ ተቐማጦ ምምሕዳር ከባቢ ማይ-ዕዳጋ ናይ 32 ስድራ-ስዉኣት ግራውቲ ከምዝሓረሱን ኣባይቲ ከምዝጸገኑን፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ሎጎ-ዓንሰባ፡ ነበርቲ ደቂ-ሸሓይ ን9 ስድራ-ስዉኣት 9 ሽሕ ናቕፋ፡ ነበርቲ ዓዲ-ንኣምን ን12 ስድራ-ስዉኣት 6 ሽሕ ናቕፋ፡ ነበርቲ ደብሪ ዓዲ-ሓንስ ድማ ን3 ስድራ-ስዉኣት 900 ናቕፋ ሓገዝ ሂቦም። ኩለን ምምሕዳራት ከባቢ፡ ስድራ ስዉኣት ብማሕረስ ክሕግዛ መደብ ወጺኡ ከምዘሎ እውን ተፈሊጡ።

Categories