ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ትማሊ 26 ሰነ፡ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ማያርዲት ኣብጺሑ።

ትሕዝቶ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ምምዕባል ክልተኣዊ ዝምድና፡ ከምኡ’ውን ሓባራዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎ ዞባዊ ምዕባለታት ብሓፈሻ፡ ኩነታት ሱዳን ድማ ብፍላይ ዘተኰረ እዩ።

ኣብ’ቲ ርክብ፡ ክልቲኦም ወገናት፡ ዝምድና ኤርትራን ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳንን ንምድንፋዕ፡ ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ድማ ኣብ ሞንጎ ክልቲኡ መንግስታት ጥቡቕ ምምኽኻርን ምውህሃድን ክህሉ ኣብ ምርድዳእ በጺሖም።

Categories