ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት እስራኤል ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ብ22 ሰነ ኣብ ዘካየድዎ ዝኽሪ መዓልቲ ስዉኣት፡ መብጽዓኦም ንትግባረ ሕድሪ ሰማእታት ብምሕዳስ፡ ንመናበዪ ስድራ ስዉኣትን መሰሰኒ ማዕከን ሕድሪ ሰማእታትን ገንዘባዊ ወፈያ ገይሮም።

እቶም ዜጋታት፡ ባንዴራ ኤርትራ እናንበልበሉ፡ ካብ ቤት-ጽሕፈት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ተል-ኣቪቭ ተበጊሶም፡ ናይ 2 ኪሎ-ሜተር ጉዕዞ እግሪ ከምዘካየዱ እውን እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ብሽምዓን ስነ-ጥበባዊ መሰናድኦታትን ኣብ ዝተሰነየ ናይ ዝኽሪ መደብ፡ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ እስራኤል፡ ኣቶ ሰለሙን ክንፈ፡ ስዉኣት ዝገደፉልና ሕድሪን ዕላማን ኣብ መፈጸምታኡ ምብጻሕ፡ ናይ ኩሉ ዜጋ ሓላፍነት ምዃኑ ኣዘኻኺሩ።

ማሕበረ¬¬-ኮም ኤርትራውያን ነበርቲ እስራኤል – ኣብ ቀዳሞት ሽድሽተ ኣዋርሕ ናይ 2019 ንመናበዪ ስድራ ስዉኣት ዘዋጽእዎ፡ ኣብ’ቲ ናይ ዝኽሪ ዕለት ድማ፡ ኣባላት ‘ፍኖተ-ሰማእታት’ ዘወፈይዎ – ብድምር 49,169 ዶላር ኣመሪካ ተበርኪቱ።

Categories