ኣብ ንኡስ ዞባ ኣቑርደት፡ ኣብ 15 ምምሕዳራት ከባቢ ንዘገልግሉ ሽማግለታት ዕርቂ ኮማዊ ኣብያተ-ፍርዲ ምርጫ ተኻዪዱ።

ዕላማ ናይ’ዚ ኣብ ምምሕዳራት ከባቢታት ከተማ ኣቑርደት፡ ከምኡ’ውን ምምሕዳራት ከባቢ ዓደርደ፡ ዓልባኒያይ፡ ደገሰይ፡ ሸላብ፡ ኢንገርነ፡ ደረት፡ እንድራይብ፡ ወለት-ኣባርቅ፡ ሶሊብ፡ ጉስጢ፡ ሓዋጉን ካርሸምላን ዝተኻየደ ምርጫታት፡ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ዝፍጠሩ ክርክራት፡ ብዕርቂን ብዘይሃልኪን ዝድቅሱሉ ባይታ ንምፍጣር ከምዝኾነ፡ ኣካየድቲ ናይቲ ምርጫ ሓቢሮም።

ኣብ’ቲ ምርጫታት፡ ብጠቕላላ 19 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 54 ኣባላት ሽማግለታት ዕርቂ ከምእተመርጹ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

Categories