ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ ብዝሳተፍዎ ወፍሪ ክረምታዊ ልምዓት፡ ሎሚ ዓመት ኣብ መላእ ሃገር ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ፈልሲታት ክትከል ምዃኑ ተሓቢሩ።
ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ሓላፊ ጨንፈር ወፍሪ ተመሃሮ ንልምዓት መምህር ፍትዊ ወልደጊዮርጊስ፡ ትማሊ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ናይ ሎሚ ዓመት ወፍሪ ክረምታዊ ልምዓት ብ1 ሰነ ብደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ከምዝጀመረ ጠቒሱ፡ ኣብ ዞባ ማእከል 2 ሓምለ፡ ኣብ’ተን ዝተረፋ ኣርባዕተ ዞባታት ድማ 8 ሓምለ ከምዝጅመር ገሊጹ።
እቲ ብተሳትፎ ልዕሊ 30 ሽሕ ተመሃሮን 1500 ኣለይትን ኣወሃሃድትን ንሓደ ወርሒ ዝቕጽል ወፍሪ፡ ብቐንዱ ኣብ ምዕቃብ ሓመድን ማይን ከምዘተኲር ዝሓበረ መምህር ፍትዊ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ፈልሲ ናይ ምትካል ስራሕ፡ ዛላታትን ከትርታትን ከምኡ’ውን ናይ ሓመድ ጽርግያታት ናይ ምጽጋን ንጥፈታት ክሰላሰል ምዃኑ ገሊጹ። ዘድሊ ናውትን መሳለጥያታትን ተቐሪቡ ከምዘሎ ድማ ኣረጋጊጹ።
እቲ ናይ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ንጥፈታት፡ ኣብ ኣብያተትምህርቲ፡ ትካላት መንግስቲ፡ ጐደናታት፡ ማይኮዖታትን ጎላጒልን፡ ከምኡ’ውን ልዕልን ትሕቲን ዲጋታት ከምዝካየድ፡ ብዘይካ’ዚ – 225 ተመሃሮ ስነ-ኪነት ዝሳተፍዎ፡ ሰደቓታት ኣብያተ-ትምህርቲ ናይ ምዕራይ መደብ ከምዘሎ ተፈሊጡ።
ተመሃሮ፡ ነቲ ስራሕ ኣብ ከባቢ ኣብያተ-ትምህርቶም ተዋፊሮም፡ ካብ ሰዓት 7፡00 ንግሆ ክሳብ ፍርቂ መዓልቲ ከምዘካይድዎ ብምሕባር – መምህር ፍትዊ፡ በብከባቢኡ ዝርከብ ህዝቢ፡ ንምትብባዖም ኣበርክቶኡ ከዕዝዝ ተላብዩ።