ኣብ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት – ንኣስታት 30 ዓመታት ኣብ ከባቢ ኣዝሃራ ተቐቢሩ ዝነበረ ኣስከሬን ተጋደልቲ፡ ብምኽንያት 20 ሰነ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ኣፍዓበት ብክብሪ ዓሪፉ።
እቶም ኣርባዕተ ጀጋኑ፡ ብ21 ግንቦት 1988 ብደብዳብ ነፈርቲ ዝተሰውኡ ኮይኖም፡ ዝተቐብሩሉ ቦታ ብውሕጅ ክብሕጐግ ብምጅማሩ እዩ – እቲ ስጒምቲ ተወሲዱ።
እቲ ስነ-ስርዓት፡ ኣስታት 200 መንእሰያት፡ ኣባላት ሰራዊትን ህዝብን ብዘካየዱዎ ናይ እግሪ ጒዕዞ፡ ከምኡ’ውን ብትረኻ ኣብ እዋን ምድምሳስ ናደው እዝ ዝተራእየ ጅግንነትን ምግራብን ዝተሰነየ ነይሩ።
ኣብ ግንባር ጸሮና – ኣብ ምምካት ወራር ወያነን ምኽባር ልኡላውነት ሃገርን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ናይ ዝተሰውኡ 15 ጀጋኑ ኣስከሬን እውን፡ ብ20 ሰነ ኣብ ናይ ክብሪ ቦታኡ ዓሪፉ።
እዚ ኣብ ድፋዕ ኵዶ-ወይባ ዝጸንሐ ኣስከሬን ሰማእታት፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝርከቡ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኣብ ዝተረኽቡሉ እዩ፡ ንውዕሎን ቅያን ሰማእታት ብዘመጒስ መሰናድኦ ተሰንዩ – ኣብ’ቲ ናይ ክብሪ ቦታኡ ተነቢሩ።