ብሓላፊ ቊጠባዊ ጉዳያት ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት ዝምራሕ ልኡኽ ኤርትራ፡ ትማሊ 24 ሰነ ኣብ በይጂን – ቻይና ኣብ ዝተኸፍተ ኣኼባ ኣወሃሃድቲ ዋዕላ ገስጋስ ትግባረ ውሳነታት ‘ምትሕግጋዝ ኣፍሪቃን ቻይናን’ (FOCAC) ይሳተፍ ኣሎ።

ኣብ’ዚ ናይ ክልተ መዓልታት ኣኼባ፡ ልዕሊ 80 ኣብ ደረጃ ሚኒስተራት ዝርከቡ ላዕለዎት ሰብ-መዚ ሃገራት ኣፍሪቃ ይሳተፉ ኣለዉ።

ምክትል ፕረዚደንት ቻይና ዋንግ ኪሻን ኣብ ዘስመዖ መኽፈቲ መደረ፡ እቲ ኣኼባ ኣገዳሲ ስጒምቲ ንገስጋስ ትግባረ ናይ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ኣብ በይጂን ዝተቓንዐ ኣኼባ መራሕቲ ብ‘ፎካክ’ ዝፍለጥ ዋዕላ ምትሕግጋዝ ኣፍሪቃን ቻይናን ከምዝኾነ ገሊጹ።

መራሕቲ ልኡኻት ኣፍሪቃ ብወገኖም፡ ምትሕግጋዝ ኣፍሪቃን ቻይናን፡ ኣብ ሞንጎ’ተን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ንዝግበር ምትሕግጋዝ ከም ኣርኣያ ዘገልግል ምዃኑ ገሊጾም።

Categories