ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብምኽንያት ዕረፍቲ ወላዲኡ ንቐዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢ ኣሕመድ፡ ናይ ሓዘን መልእኽቲ ሰዲዱ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ትማሊ 18 ሰነ ኣብ ዝሰደዶ መልእኽቲ፡ በቲ ዜና ዕረፍቲ ዝተሰመዖ ሓዘን ብምግላጽ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢ ኣሕመድ፡ ከምኡ እውን ንስድራ-ቤቱን ቤተ-ሰቡን “ጽንዓት ይሃብኩም” ኢሉ።

Categories