ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ቐይሕ፡ ብምኽንያት 20 ሰነ – መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ልምዓታዊ ማእቶት ተሰላሲሉ።

እቲ ኣብ ንጥፈታት ምግራብ ዘተኰረ ወፈራታት፡ ብተሳትፎ ህዝቢ 4 ምምሕዳራት ከባቢ – ማለት ሃዳሙ፡ ሕሽመለ፡ ሓይነባን ዑናቡርን ከምኡ’ውን ሰራሕተኛታት ትካላት መንግስቲ ከምእተኻየደ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢራ።

ዝሓለፈ ዓመት ብተመሳሳሊ ኣገባብ ዝተተኽለ ፈልሲታት ኣግራብ፡ 80 ሚእታዊት ጸዲቑ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ከምዝርከብ፡ እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ድማ – ናቱ መቐጸልታ ምዃኑ፡ ካብ ኣወሃሃድቲ መደብ ኣቶ ኣሰፋው ቱርካይ ገሊጹ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ከተማ ዓዲ-ቐይሕ – ልዕሊ 6 ሽሕ ህዝቢ ዝተሳተፎ ናይ ጽሬት ወፈራ ከምእተኻየደ ተፈሊጡ።

Categories