መንግስቲ ኤርትራ፡ ንስድራ ስዉኣት ወርሓዊ ክፍሊት ክገብር – ቅድሚ 15 ዓመታት ብዝወሰኖ መሰረት፡ ዛጊት ልዕሊ 4.6 ቢልዮን ናቕፋ ደበስ ከምዝኸፈለ፡ ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ሚኒስትሪ ዳይረክተር ጨንፈር ድሕነት ስድራቤት ስዉኣት ኣቶ ዘርኣይ ተኽለኣብ፡ ብምኽንያት 20 ሰነ ምስ ኤሪና ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕተት፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብ 1994 ንነፍሲ-ወከፍ ስድራ ስዉእ ዝተዋህበ ናይ 10 ሽሕ ደበስ፡ ምንባይ ስድራ ስዉኣት ቀጻልነት ብዘለዎ ኣገባብ ንኽካየድ፡ ብኣዋጅ ቊጽሪ 137/2003፡ ካብ ወርሒ ጥሪ 2004 ንነፍሲ-ወከፍ ስዉእ ወርሓዊ ብሕሳብ 500 ናቕፋ ክኽፈል ከምእተጀመረ፡ ነዚ ድማ ዓመታዊ ኣስታት 350 ሚልዮን ናቕፋ ካብ ካዝና መንግስቲ ወጻኢ ከምዝግበር ኣብሪሁ።

መንግስቲ ኣብ ርእሲ’ቲ ብስሩዕ ዝኸፍሎ ወርሓዊ ደበስ፡ ንኣስታት 17 ሽሕ ኣዝዮም ጽጉማት ስድራ ስዉኣት እውን፡ ልዕሊ 144 ሚልዮን ናቕፋ ደገፍ ከምዝገበረ፡ ከፍርያ ዓቕሚ ከምዘለወን ብመጽናዕቲ ንዝተረጋገጻ ስድራቤታት ስዉኣት ድማ፡ ብዓይነት ናይ ምጥያስ መደባትን ስልጠናታትን ከምዝትግበር ኣረዲኡ።

ተደበስቲ ስድራ ስዉኣት፡ ዕድመ ዝደፍኡ ወይ ጽጉማት ምዃኖም ምስዝረጋገጽ፡ ሕጋውያን ወኪላት ብምግባር ግቡኦም ከምዝወስዱ፡ ወይ እውን ተንቀሳቐስቲ ከፈልቲ ጉጅለታት ብምቛም ናብቲ ዘለውዎ ብምኻድ ከምዝኽፈሉ ከምዝግበር ሓቢሩ።

መንግስቲ ንስድራ ስዉኣት ወርሓዊ ደበስ ክኸፍል ምስ ጀመረ፡ ኣብ ዜጋታት እውን ‘ከነበርክት ኣሎና’ ዝብል ስምዒት ፈጢሩ እዩ” ዝበለ ኣቶ ዘርኣይ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝነብሩ ዜጋታት፡ ብውልቂ፡ ብማሕበራትን ኮምን ገንዘባዊ ኣበርክቶ ካብ ምግባር ሓሊፎም፡ ካብ ሓደ ንላዕሊ ስድራቤታት ናይ ምንባይ ሓላፍነት ብምውሳድ፡ ናይ ምጥዋሮም መደባት ከምዝጀመሩን ይቕጽሉዎ ከምዘለዉን ገሊጹ።

ብዘይካ’ዚ፡ በብከባቢኡ ንስድራ ስዉኣት፡ ኣብ ማሕረስን ምእካብ ዘራእትን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ምጽጋን መንበሪ ኣባይቲ ደገፍ ከምዝግበር፡ እዚ ድማ ኣብቶም ስድራ ስዉኣት ዝፈጥሮ ሓበንን ሕልናዊ ሓይሊን ብቐሊል ከምዘይጥመት ኣገንዚቡ።

Categories