ትካል ሰላም ‘ሸንገን’ን ዓለማዊ መድረኽ ሰላምን፡ ንኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ስለ’ቲ ብ9 ሓምለ 2018 ኣብ ኣስመራ ዝኸተማኦ ታሪኻዊ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን፡ ‘ሽልማት ላክሰንበርግ’ ሸሊሞምወን።

ነቲ ሽልማት፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣቶ ነጋሲ ካሳ፡ ብወገን ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ድማ፡ ኣምባሳደር’ታ ሃገር ኣብ ብራስለስ ኣቶ ግሩም ኣባይ ተቐቢሎምዎ።

ኣብ’ቲ ዕዱማት ውልቀ-ሰባትን ትካላትን ዝተረኽቡሉ፡ ብ14 ሰነ ኣብ ህንጻ ፓርላማ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ኣምባሳደር ነጋሲ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኪኖ’ቲ ንክልቲአን ሃገራት ዘለዎ ኣገዳስነት፡ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ርሒብ ዕድላት ሰላምን ምርግጋእን ከምኡ’ውን ቊጠባዊ ሕውየትን ሽርክነትን ዘርሓወ ኣብነታዊ ስምምዕ ከምዝኾነ ገሊጹ።

ህዝብን መንግስትን ኤርትራ፡ እቲ ስምምዕ ሰላም ዘሰክሞም ሓላፍነት ብዝግባእ ንምትግባር፡ መድረኽ ብመድረኽ ዝሰላሰል መደባት ኣብ ምስልሳል ከምዝርከቡ ዝገለጸ ኣምባሳደር ነጋሲ፡ ኩሎም መሻርኽትን መሓዙትን ክልቲአን ሃገራት፡ ከምኡ ድማ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ነዚ ተበግሶ’ዚ ንምዕዋት ደገፎም ከረጋግጹ ጸዊዑ።

ሽልማት ላክሰንበርግ’፡ ብዓለም ደረጃ ኣብ ምስፋን ሰላም ልዑል ኣስተዋጽኦ ንዝገበሩ ዝወሃብ ሽልማት እዩ።

Categories