ተቐማጦ ዓድታት ቃቕብዳን ዓደብዛገን – ንኡስ ዞባ ድባርዋ፡ ማይክዖ ዲጋ ብድሆ ብምፍዋስ ቀጻልነታ ንምውሓስ፡ ካብ 28 ግንቦት ክሳብ 11 ሰነ ወፈራዊ ስራሓት ኣካዪዶም።

በቲ ብምውህሃድ ሚኒስትሪታት ሃብቲ ባሕርን ሕርሻን ዝተወደበ መደብ፡ ኣብ ኣስታት 30 ሄክታር፡ ማይን ሓመድን ናይ ምዕቃብ ንጥፈታት ከምእተኻየደ፡ ኣባል ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ ጨንፈር ዞባ ደቡብ መንእሰይ ኢሳይያስ ፍስሃየ ሓቢሩ።

እቲ መደብ፡ ዲጋ ብድሆ ብድበት ከይትመልእ ንምክልኻል፡ ትሕተባይታዊ ማይ ንምህብታምን ኣብ’ታ ዲጋ ዝሰላሰል ዘሎ ንጥፈታት ምርባሕ ዓሳ ንምድንፋዕን ምዃኑ ገሊጹ።

ልዕሊ 14 ኪሎ-ሜተር ቅናታዊ ዛላን፡ ልዕሊ 1800 ሜተር ኲብ ከትርን ከምእተሰርሐ ድማ፡ ነቲ መደብ ዝመርሑ ኣባላት ቤት-ጽሕፈት ሕርሻ ንኡስ ዞባ ድባርዋ ሓቢሮም።

Categories