ሃገራዊ ወፍሪ ክታበት ጸረ-ሕማም ኣንቅጺ፡ ኣብ መወዳእታ ናይ’ዚ ዓመት ክካየድ ምዃኑ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ትማሊ 17 ሰነ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ሓቢሩ።

ሓለፍቲ ሚኒስትሪ ጥዕናን መሻርኽቲን ኣብ ዝተረኽቡሉ – ናይ ስራሕ መደብ ንምውጻእን ሓበሬታ ንምሃብን ኣብ ዝተወደበ ንሰለስተ መዓልታት ዝቕጽል ርክብ፡ ሓላፊ ሃገራዊ መደብ ክታበት ኣቶ ቴድሮስ ይሕደጎ፡ በዚ ኣብ ወርሓት ሕዳርን ታሕሳስን ዝሰላሰል ወፍሪ ክታበት፡ ካብ 1 ክሳብ 29 ዓመት ዝዕድመኦም ኣስታት 2.8 ሚልዮን ዜጋታት ክኽተቡ ውጥን ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ርክብ ዝተሳተፉ ክኢላታት፡ ሕማም ኣንቅጺ፡ ኣብ ትሕተ-ሰሃራን ከባቢ ቅናት-ምድሪን ኣብ ዝርከባ 26 ሃገራት ኣፍሪቃ ከምዝርአ፡ ካብኣተን እተን 21 ኣቐዲመን ክታበት ከምዘካየዳ ብምሕባር፡ ኤርትራ እውን ኣካል’ቲ ዞባ ብምዃና፡ እቲ ሕማም ጠቕሊሉ ክጠፍእ ሃገራዊ ወፍሪ ክታበት ከተበጋግስ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣገንዚቦም።

ብባክተርያ ዝስዕብን ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝመሓላለፍን ሕማም ኣንቅጺ፡ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓት ንግዳያቱ ዝቐትል ሓደገኛ ስለዝኾነ፡ በዚ ሕማም ካብ ዝተለኽፉ እቶም 50 ሚእታዊት ናይ ሞት ሓደጋ ከም ዘጋጥሞም ጸብጻባት ይጠቕሱ።

ጐድኒ-ጐድኒ ክታበት ጸረ-ሕማም ኣንቅጺ፡ ካብ 6 ክሳብ 59 ወርሒ ንዝዕድመኦም ህጻናት ቫይታሚን ‘ኤ’ ክዕደል ምዃኑ እውን ተፈሊጡ ኣሎ።

Categories