ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ቀረብ ዝስተ ማይ ንምርግጋጽ ክካየድ ኣብ ዝጸንሐ ጻዕሪን ገስጋሱን ከምኡ’ውን ኣብ ምሕደራኡ ዘተኰረ ዓውደ-ዘተ፡ ብ12 ሰነ ኣብ ከተማ ከረን ተቓኒዑ።

ኣብ መኽፈቲ ናይ’ዚ ሓለፍቲ ክፍልታት ዞባ፡ ኣመሓደርቲ ንኡሳን ዞባታትን ክኢላታትን ዝተሳተፍዎ ዓውደ-ዘተ፡ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሕርሻን ማይን ኣቶ ባህታ ቴድሮስ፡ ጽሩይን ውሑስን ቀረብን ኣገልግሎትን ማይ ንምርግጋጽ፡ መንግስቲ ገዚፍ ወፍሪ ክገብር ምጽንሑ ሓቢሩ።

ሓላፊ ጨንፈር ማይ ዞባ ዓንሰባ፡ ኣቶ ዘርአ ወልደትንሳኤ፡ ዕላማ’ቲ ዓወደ-ዘተ ንቕሓት ሕብረተ-ሰብ ኣብ ኣጠቓቕማን ምሕደራን ማይ ንምዕባይ ምዃኑ ብምሕባር፡ ማይ – ግቡእ ኣተዓቓቕባ፡ ቅርጥው ኣጠቓቕማን ጽሩይ ኣተሓሕዛን እንተደኣ ዘይተገይርሉ ሳዕቤኑ ቀሊል ከም ዘይከውን ኣገንዚቡ።

ኣብ’ቲ ዞባ፡ 176 ዓድታት ካብ 1612 ዒላታትን 70 ዲጋታትን ራህያታትን ከምዝጥቀማ ዝሓበረ ኣቶ ዘርአ፡ ተሪፈን ዘለዋ ዓድታት ኣሰረን ንምስዓብ ይስራሓሉ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ኣብ’ቲ ዓውደ-ዘተ፡ ኣብ ምውሓስ ማይ ኣበርክቶ ናይ ዝነበረን ኣብነታውያን ዓድታት፡ ዝሓለፋኦ መስርሓትን ተመኲሮን ዝሓቘፈ መጽናዕታዊ ጸብጻባት ቀሪቡ – ተሳተፍቲ ተመያይጦምሉ።

Categories