ብምኽንያት 20 ሰነ – መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ንኡስ ዞባ መንደፈራ፡ ኣብ መካነ-መቓብር ሰማእታትን ካልእ ቦታታትን፡ ኣብ ኣስመራ ድማ ኣብ ሆስፒታል ሓሊበት ዝተፈላለየ ንጥፈታት ተኻይዱ።

ኣብ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ ንኡስ ዞባ መንደፈራ፡ ሓላፊ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ኣቶ መኮነን ፍስሃየ፡ እቲ ወፈራዊ ስራሓት፡ ዛላታትን ከትርታትን ምስራሕን ምጽጋንን፡ ከምኡ’ውን ምግራብ ከም ዘጠቓልል ሓቢሩ።

ተሳተፍቲ፡ 20 ሰነ – ስዉኣትና ዝወደቑሉ ህዝባዊ ዕላማ ብሓበን ዝዝክሩሉን መብጽዓኦም ንልምዓት ሃገር ዘሐድሱሉን ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ንኽብሪ’ዛ መዓልቲ ብዘሰላስልዎ ዘለዉ ወፈራታት ናይ ሕልና ዕረፍቲ ከምዝስምዖም ገሊጾም።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ሰራሕተኛታት ሃገራዊ መወከሲ ሆስፒታል ሓሊበት – ኣስመራ፡ ብምኽንያት 20 ሰነ ኣብ ቀጽሪ’ቲ ሆስፒታል፡ ፈልሲታት ኣግራብ ተኺሎም።

ብ15 ሰነ ኣብ ዝተተግበረ መደብ፡ ኣስታት 100 ሰራሕተኛታት፡ 120 ፈልሲታት ከምዝተኸሉ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

Categories