ሃገራዊ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ጨንፈር ዞባ ዓንሰባ፡ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር፡ ብ11 ሰነ ኣብ ከተማ ከረን ኣብ ጥዕናን ሕጊን ዘተኰረ ኣስተምህሮ ወዲቡ።

እቲ ኣስተምህሮ፡ ኣፍልጦ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ሲቪላውን ገበናውን ሕግታትን፡ ኣብ ድሕነት ኣደን ህጻንን ብምብራኽ፡ ኣብ ንቕሓት ዝተመርኰሰ ኣበርክቶአን ንምዕዛዝ ዝዓለመ እዩ።

ኣኽባሪ ሕጊ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ መሓመድዓሊ ዑመር፡ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ሕጊ ዘለወን ኣፍልጦ እናበረኸ ይመጽእ ከምዘሎ፡ እዚ ድማ ንዘጋጥመን ጉዳያት ብንቕሓትን ፍልጠትን ክብድሃ ሓጋዚ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ዓንሰባ ሓላፊ ኣሃዱ ፍርያምነት፡ ኣቶ ተኽለ ተስፋማርያም፡ ድሕነት ኣደን ዕሸልን ንምርግጋጽ ብዕቱብ ይስራሓሉ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ኣደታት በብከባቢኡ ተሃኒጹ ንዘሎ ትካላት ጥዕና ብግቡእ ክጥቀማሉ ኣተሓሳሲቡ።

ሓላፊት ሃማደኤ ዞባ ዓንሰባ ወ/ሮ ኣምና ሓሰን ድማ፡ ማሕበር – ንቕሓት ኣባላቱ ክብ ምባል ካብ ቀንዲ መደባቱ ብምዃኑ፡ ዝተፈላለየ ኣስተምህሮታት እናወደበ ከምዝሰርሓሉ ሓቢራ።

Categories