ብኣጋጣሚ ምብጻሕ ኣቦ-መንበር መሰጋገሪ ወተሃደራዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን

ንልዕሊ 30 ዓመታት፡ ሃገራዊ ጉባኤ (ሙእተመር ወጠኒ) ከም መቐጸልታ እስላማዊ ምንቅስቓስ፡ ኣብ ታሪኽ ሱዳን መዘና ዘይርከቦ ዕንወት ፈጺሙ፡ ባዶሽ’ዩ ፈጢሩ። ብውሑዳት ቀንዲ ኣብነታት ንምግላጹ፡-

• ንደቡብ ሱዳን ናብ ሕርያ ምፍላይ ኪኖ ምድፍፋእ፡ ኣብ ቀጻሊ ክልተኣዊ ወጥሪ ምውሳእ፡

• ጉዳያት ዳርፉር፡ ኩርዱፋን፡ ብሉ-ናይል፡ ምብራቕን ካልእን፡ ከም ተንጠልጢሉ ዝቕጽል ሽግራት ምምሕዳር፡

• መቓቒልካን ኣዳኺምካን ንምግዛእ ምእንቲ ክጥዕሞ፡ ሱዳን ናይ ልዕሊ 120 ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፊታትን ሕንፍሽፍሽ ከም እትኸውን ምግባር፡

• ዘምቢል ሕብስቲ ክትከውን ዝነበራ ሱዳን፡ ብስእነት ሕብስቲ ትሳቐን ትዋረድን ሃገር ከም እትኸውን ምግባር፡

• “ጠበቓ ውጹዓትን ማሕበራዊ ፍትሒን” ኪመስል ዝተወራዘየሉ ኣጀንዳ፡ ሓደ ካብ ዝኸፍኡ፡ ናይ ውሑዳት ሰረቕቲ ብልሹው ስርዓት ምትካል፡

• ዕዳ ሱዳን ልዕሊ 50 ቢልዮን ዶላር ምዕራጉ ጥራይ ዘይኰነ፡ ቁጠባዊ ቅልውላዋት ሱዳን ናብ ዝበኣሰ ከምዝዓርግ ምግባሩ፡

• ብዞባዊ ናይ ለኻዕ-ለኻዕ ዓንዳሪ ፖለቲካ፡ ምዕቋብ ብን-ላድንን ቓዒዳን፡ ምዕቋብ ካርሎስ፡ ፈተነ ቅትለት ሑስኒ ሙባረክ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ “ጂሃድ ኤርትራ” ካብ ኣፍጋኒስታን፡ “ጂሃድ” ጸረሊብያ፡ “ጂሃድ” ጸረ-ጫድ፡ “ጂሃድ” ጸረ-ግብጺ፡ ዞባዊ ኣዕናዊ ኣጀንዳታትን ኪዳናትን ምስሳይን መናሃርያ ምዃንን፡ . . . ኣብ ዞባዊ ህውከትን ዘይምርግጋእን ቀንዲ ተዋሳኢ’ዩ ነይሩ።

ብሰንኪ’ቲ ዕንወት ዝተፈጥረ ባዶሽ፡ ዓቕሊን ምጽማምን ህዝቢ ሱዳን ነቲጉ፡ መላእ ህዝቢ ሱዳን ብፍኑው ናዕቢ፡ ኩሉ ቀይድታት በናጢሱ፡ ብመዘና ዘይርከቦ ጅግንነት ኣብ ሓድሽ ታሪኻዊ መድረኽ ኣትዩ’ሎ። ናይ ስግግር መድረኽ ብድሆታት መኪቱ፡ ኪኖ ስግግር ናብ መሬት ኣማን ኪበጽሕ፡ ወጻኢ ካብ ምስሉይ ምትእትታዋት፡ ናይ ባዕሉ መርሓ-ጐደና ኣብ ምርቃቕ ከኣ ይርከብ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም ታሪኻዊ መሻርኽቲ ህዝቢ ሱዳን፡ ኣብ ናይ’ዚ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ኣዕናዊ ኣደራዕ’ውን፡ መሻርኽቲ’ዩ ነይሩ። እቲ ሓቂ ከምኡ ስለዝዀነ’ዩ፡ ብዘይ ምኽንያት ኲናት ተኣዊጁዎ፡ ብህጹጽ ኣዋጅ ዶባቱ ዝተረገጠ። መንግስቲ ኤርትራ፡ ንናይ ህዝቢ ሱዳን ዓቕሊን ሓርበኛነትን፡ ኣድናቖትን ደገፍን ደጊሙ እናረጋገጸ፡ ሕድሪ ሽርክነቱ ከይረስዐ፡ ነቲ ሕድሪ ናይቲ ስግግር መድረኻዊ ሓላፍነቱ ኣልዒሉ ዘሎ መሰጋገሪ ወተሃደራዊ ባይቶ ምሉእ ብምሉእ ኪደጋገፍ ከኣ ግዴታኡ’ዩ።

ሚኒስተሪ ዜና

ኣስመራ -14 ሰነ 2019

Categories