ኣቦ-መንበር መሰጋገሪ ወተሃደራዊ ባይቶ ሱዳን፡ ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን፡ ትማሊ ዓርቢ 14 ሰነ፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ሓደ መዓልቲ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ።

ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን፡ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ-ቐትሪ ኣስመራ ኣብ ዝኣተወሉ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ተረኺቡ፡ ብናይ ክብሪ ሰልፊ ተቐቢሉዎ።

ክልቲኦም መራሕቲ፡ ኣብ ‘ኣዳራሽ ሃገር’ ኣብ ዝገበሩዎ ርክብ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ደገፍ ኤርትራ ንሰውራ ህዝቢ ሱዳን ድሕሪ ምርግጋጽ፡ ሰራዊት ሱዳን – ጸግዒ ናይ ህዝቢ ብምውሳድ፡ ነቲ ሓደገኛ ኣንፈት ሒዙ ዝነበረ ኵነታት ናብ ሰላም ንምምላስ ንዝተጻወቶ ወሳኒ ተራ ከምዘድንቕ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣስዒቡ፡ ኣብ’ዚ ሱዳን ትኣትዎ ዘላ ተኣፋፊ መሰጋገሪ መድረኽ፡ ናይ ኩሎም ሱዳናውያን ፖለቲካውያን ሓይልታትን፡ ናይ መላእ ህዝቢ ሱዳንን ተሳታፍነት ከምዘድሊ ኣስሚሩሉ።

ኣቦ-መንበር መሰጋገሪ ወተሃደራዊ ባይቶ ሱዳን፡ ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን ብወገኑ፡ ንመርገጺ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ብኣኽብሮት ከምዝጥምቶ፡ እዚ ድማ መቐጸልታ ናይ’ቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ዝጸንሖ ሃናጺ ተራ ምዃኑ ከምዝኣምን ብምጥቃስ፡ እዚ መርገጺ’ዚ ንታሪኻውን ጥቡቕን ዝምድና ኤርትራን ሱዳንን ዘንጸባርቕ ምዃኑ ገሊጹ።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ መወዳእታ፡ ዝምድና ኤርትራን ሱዳንን ብዘየድሊ ምኽንያት ናብ ውጡር ኩነታት ከምርሕ ምጽንሑ፡ ንክልቲኡ ህዝብታት ዘሕዝን ክሳራ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ናብ ዝበለጸ መድረኽ ንምብጻሕ ንዘሎ ቅሩብነት ኣረጋጊጾም።

ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ መሰጋገሪ ወተሃደራዊ ባይቶ ሱዳን፡ ሰላምን ርግኣትን ሱዳን ንምዕቃብ፡ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ኣብ’ዚ መሰጋገሪ መድረኽ ግቡእ ተራኡ ክጻወት፡ መንግስቲ ኤርትራ ከምዝድግፍ ገሊጹ።

ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ሓላፊ ክፍሊ ጉዳያት ኣፍሪቃ፡ ኣምባሳደር ዓብዱል-ሙንዒም ዑስማን ብወገኑ፡ መሰገጋሪ ወተሃደራዊ ባይቶ ሱዳን፡ ‘ጉዳይ ሱዳን ብሱዳናውያን ጥራይ ክፍታሕ ኣለዎ’ ንዝብል ንጹር መርገጺ መንግስቲ ኤርትራ ዘለዎም ኣኽብሮት ኣረጋጊጹ።

ኣቦ-መንበር መሰጋገሪ ወተሃደራዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን፡ ናይ ሓደ መዓልቲ ምብጻሕ ፈጺሙ፡ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ ናብ ሃገሩ ተፋንዩ።

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ብ19 ግንቦት መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ኣቦ-መንበር መሰጋገሪ ወተሃደራዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓቡልፋታሕ ኣልቡርሃን ምብጽሑ ይዝከር።

Categories