ዓለማዊ መዓልቲ ለገስቲ ደም – 14 ሰነ፡ “ውሑስ ደም ንኹሉ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ብሰልፊን ኣብ ኣዳራሽ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ብዝተኻየደ መደብን ተዘኪራ።

ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ኣቶ ብርሃነ ገብረትንሳኤ፡ ቀረብ ደምን ውጽኢት ደምን ምውሓስ ማለት – ህይወትን ቀጻልነታን ምውሓስ ስለዝኾነ፡ ኣብ መላእ ስርዓተ-ኣገልግሎት ጥዕና ሃገርና፡ ቀረብ ደም ንምውሓስ፡ ሓያል ጻዕሪታት ክካየድ ምጽንሑን ምህላዉን ገሊጹ።

ልግሲ ደም ንምትብባዕን ከም ባህሊ ንምስራጹን ክሰላሰል ዝጸንሐ ንጥፈታት ዘተባብዕ ውጽኢት ይህብ ከምዘሎ ጠቒሱ ድማ፡ ኣባላት ሃገራዊ ማሕበር ወለንታውያን ለገስቲ ደም፡ ስለ’ቲ ዝገብሩዎ ዘለዉ ኣበርክቶ፡ ብስም ሚኒስትሪ ጥዕና ምስጋና ኣቕሪቡ።

ንዓለማዊ ውድብ ጥዕና ወኪሉ ቃል ዘስመዐ ዶክተር ዮውሃንስ ገብራት ድማ፡ ካብ 2004 ጀሚራ ዓመት-መጸ እትዝከር ዘላ ዓለማዊ መዓልቲ ለገስቲ ደም፡ ኣብ ምብራኽ ንቕሓት ኣተባባዒ ውጽኢት ይርኣያ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ኣቦ-መንበር ሃገራዊ ማሕበር ወለንታውያን ለገስቲ ደም፡ ኣቶ ሳምሶን ገብረስላሴ፡ ነቶም ብገዛእ ፍቓዶም ደም ብምልጋስ፡ ኣብ ምድሓን ህይወት ውጹዓት ወገናቶም ኣበርክቶ ዝገብሩ ዘለዉ ዜጋታት ሞጒሱ። ብዝትካእ ደም ዘይትትካእ ሂወት ምድሓን፡ ዓቢ ናይ ሕልና ዕግበት ዝህብ ምዃኑ እውን ኣረዲኡ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ንኣገዳስነት ልግሲ ደምን ትርጒም ዓለማዊ መዓልቲ ለገስቲ ደምን ዝገልጽ ዝተፈላለየ መሰናድኦታት ቀሪቡ።

ኣብ ሃገርና፡ 90 ሚእታዊት ካብ ጠለብ ደም ትካላት ጥዕና – ካብ ወለንታውያን ለገስቲ ደም፡ 10 ሚእታዊት ድማ – ካብ ቤተ-ሰብ ከም ዝርከብ፡ ጸብጻባት ይጠቕሱ።

Categories