ኣብ ሰለስተ ዓድታት ምምሕዳር ከባቢ ዓዲ ሸረፈቶ – ንኡስ ዞባ ድባርዋ፡ ማይ፡ ኤለክትሪሲቲን መጐዓዝያን ዝርከቦ ፕሮጀክትታት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ብ10 ሰነ ተመሪቑ።

እቲ ፕሮጀክትታት፡ ኣብ ዓዲ-ሸረፈቶ 3፡ ኣብ ዓዲ-ሓዮ 4፡ ኣብ ዓዲ-ጽንዓይ ድማ 5 ነቑጣታት ማይ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዓዲሸረፈቶ 196፡ ኣብ ዓዲ-ሓዮ 73፡ ኣብ ዓዲጽንዓይ 206 ስድራ-ቤታት ተጠቀምቲ ዝገብር ኣገልግሎት ኤለክትሪሲቲ የጠቓልል።

ብዘይካ’ዚ፡ ንልዕሊ 60 ዓመታት ብድበት መሊኣ ዝጸንሐት ዲጋ ክትጽረግ እንከላ፡ 8 ኪሎ-ሜተር ጽርግያ ሽከቲ – ዓዲ-ጽንዓይ ተጸጊኑ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ድባርዋ፡ ኣቶ ፍረወንጌል ተኽለሃይማኖት፡ ነቲ ፕሮጀክትታት ነበርቲ ክከናኸኑዎን ብሓልዮት ክጥቀሙሉን ኣዘኻኺሩ።

Categories