ሃገራዊ መርመራ 8ይ ክፍሊ፡ ትማሊ 13 ሰነ ኣብ መላእ ሃገር ከምኡ’ውን ኣብ ሪያድን ጅዳን – ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝርከብ መፈተኒ ማእከላት ክወሃብ ጀሚሩ።

እቲ ኣብ ማእከላት ተሃድሶ እውን ዝወሃብ ዘሎ ሃገራዊ ፈተና፡ ሓሙሽተ ዓይነታት ትምህርቲ – ማለት እንግሊዝ፡ ማሕበራዊ ትምህርቲ፡ ቊጽሪ፡ ሓፈሻዊ ስነ-ፍልጠትን ናይ ዜግነት ትምህርትን የጠቓልል።

ኣብ’ዚ ክሳብ 15 ሰነ ዝቕጽል ፈተና፡ ብደረጃ ሃገር 49.6 ሚእታዊት ደቂኣንስትዮ ዝርከባኦም ኣስታት 54 ሽሕ ተመሃሮ፡ ኣብ 407 ማእከላት ይፍተኑ ከምዘለዉ፡ ካብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ማእከል፡ ሓላፊ ኣሃዱ መሰረታዊ ትምህርቲ መምህር መስፍን ወልደስላሴ፡ ኣብ’ቲ ዞባ 52 መፈተኒ ማእከላት ከምዝርከባ ሓቢሩ።

ብደረጃ ዞባ ማእከል፡ ልዕሊ 14 ሽሕ ተመሃሮ ይፍተኑ ከምዘለዉ ጠቒሱ ድማ፡ 53 ሚእታዊት ደቂ-ኣንስትዮ ምዃነን ገሊጹ።

Categories