ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣቶ ብርሃነ ገብረሂወት፡ ብ2 ሰነ ንኤርትራውያን ነበርቲ ቺካጎን ኢንድያናፖሊስን፡ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ሃገርናን ዞባዊ ምዕባለታትን ዘተኰረ ሰሚናር ኣካዪዱ።

ኣብ’ቲ ኣባላት ህዝባዊ ውዳበታት ዝተሳተፉዎ ኣኼባ፡ ኣቶ ብርሃነ፡ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትጵያን ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላምን፡ ንዓኡ ስዒቡ ኣብ ዞባና ዝተፈጥረ ምዕባለታትን ኣብ ዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ።

“ጽንዓትን ሓድነትን፡ መሰረት ቃልሲን ዓወትን ህዝቢ ኤርትራ እዩ” ዝበለ ኣቶ ብርሃነ፡ ተረኺቡ ዘሎ ሰላም ፍረ ናይ’ዞም ክብርታት እዚኣቶም ከምዝኾነ ብምጥቃስ፡ እዚ ክብርታት’ዚን ንሱ ዝወለዶ ሰላምን ቀጻልነቱ ክወሓስን ክድልድልን ምእንቲ፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ – ብልዑል ንቕሓትን ውዳበን ተሳትፎኡን ኣበርክቶኡን ከዕዝዝ ኣዘኻኺሩ።

ተሳተፍቲ፡ መብርሂ ዝደለዩሉ ሕቶታት ድሕሪ ምቕራብ፡ ካብኣቶም ዝሕተት ንምምላእ ዘለዎም ቅሩብነት ኣረጋጊጾም።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣባል ኤምባሲ ኣቶ ዳዊት ሃይለ፡ ንኣሰራርሓ ቈንስላዊ ጉዳያትን ስሉጥ ንምግባሩ ተኣታትዩ ብዛዕባ ዘሎ ሓድሽ ኣገባብን መብርሂ ሂቡ።

Categories