ዘላቕነት ቀረብ ንዝስተን ልምዓታዊ መደባትን ዘገልግል እኹል ማይ ንምርግጋጽ፡ ምህናጽ ከዘንቲ ማይ፡ ምውዳድ ትሕተ-ቅርጺ ስርዓተ-ምክፍፋልን ምትካእ ዝኣረገ ሻምብቆታትን ዘጠቓልሉ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ይትግበሩ ኣለዉ።

ኤርትራ – ዝያዳ ካብ ዝናብ ኣብ እትረኽቦ ማይ ከም እትምርኰስ ዝሓበረ ሚኒስትሪ መሬት፡ ማይን ኣከባብን፡ ጸጋታት ልዕለ-ጽፍሓዊ ማይ ንምህብታም፡ ኣብ ዝሓለፈ 28 ዓመታት ኣስታት 300 ዲጋታት ከምእተሃንጹ ኣረዲኡ።

ሓላፊ ፕሮጀክትታት ዓዲ-ሃሎ ኣቶ ሳልሕ ኣሕመዲን፡ ዛጊት ብዕብየቶምን ኣገዳስነቶምን ጐሊሖም ዝረኣዩ፡ ኣስታት 500 ሚልዮን ሜትሮ ኵቦ ማይ ዘዕቈሩ – ዲጋታት ከርከበት፡ ፋንኮ-ጽሙእን ፋንኮ-ራዊን፡ ገርሰት፡ ምስላምን ሎጎን ከምእተሃንጹ፡ ዲጋ ጋሕቴላይ ድማ ኣብ መስርሕ ከምዝርከብ ኣረዲኡ።

ምስ ምስፋሕ ከተማን ምውሳኽ ብዝሒ ህዝቢን፡ ኣብ ከተማታት ብሓፈሻ ኣብ ኣስመራ ድማ ብፍላይ፡ ኣብ ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይ ክኽሰት ዝጸንሐ ሕጽረት ንምፍታሕ፡ ብመጽናዕቲ ዝተሰነየ ጻዕርታት ይካየድ ከምዘሎ፡ እቶም ኣብ በረኽቲ ቦታታት ኣስመራ ዝህነጹ ዘለዉ – ብጠቕላላ 77 ሽሕ በርሚል ማይ ብምኽዛን ዘከፋፍሉ ኣጋንእ ድማ፡ ስሩዕነት ዕደላ ማይ ንምውሓስ ዝዓለሙ ምዃኖም፡ ውጽኢቱ እውን ድሮ ክርአ ጀሚሩ ከምዘሎ ገሊጹ።

እቲ ጸገም ምሉእ ብምሉእ ስለዘይተፍትሐ ገና ሕጽረት ከምዘሎ፡ እዚ ግና ምስ’ቲ ኣብ ትግባረ ዘሎ ፕሮጀክትታት ዝፍታሕ ግዝያዊ ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣቶ ሳልሕ፡ ሕጂ ይኹን ደሓር መሰረታዊ ፍታሕ ምስ መጸ፡ ህዝቢ ኣብ ኣጠቓቕማ ማይ ውሕሉል ኣገባብ ክኽተልን ተረኽበ ኢሉ ከየባኽንን ኣዘኻኺሩ።

Categories