ብምትሕብባር ሚኒስትሪ ጥዕናን ቤትጽሕፈት ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ኣብ ኤርትራን ዝተወደበ፡ ኣብ ተኽእሎታት ክስተት ተፈጥሮኣውን ሰብ-ሰርሖን ሓደጋታትን ክግበር ዘለዎ ቅድመምክልኻልን ዝመያየጥ ዓውደ-ዘተ፡ ብ27 ግንቦት ኣብ ኣስመራ – ሆቴል ኣስማራ ፓላስ ተኸፊቱ።

ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ህዝባዊ ጥዕና፡ ዶክተር ዓንደብርሃን ተስፋጽዮን፡ ብደረጃ ዓለም፡ ተፈጥሮኣውን ሰብ-ሰርሖን ሓደጋታት ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ልዕሊ ካልእ እዋናት ገኒኑ፡ ኣብ ማሕበረ-ቁጠባዊ ህይወት ሕብረተሰባት ከቢድ ጽልዋ ክገብር ምጽንሑ ብምሕባር፡ ኣብ ኤርትራ’ውን ሓደገኛነቱ ከም’ቲ ካልእ ከቢድ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ከም እሳተ-ጎመራ፡ ደርቂ፡ ውሕጅን ካልእን በብግዜኡ ክኽሰት ምጽንሑ ሓቢሩ።

ንቤት-ጽሕፈት ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ኣብ ኤርትራ ወኪሉ ቃል ዘስመዐ ዶክተር ዮውሃንስ ገብራት ድማ፡ ከጋጥም ንዝኽእል ሓደጋታት፡ ሃገራት ኣተኵሮ ሂበን ብዝተወሃሃደ መንገዲ ክሰርሓሉ ከምዝጸንሓ፡ ከም ውጽኢት ናይ’ዚ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዓመታዊ ልዕሊ 100 ናይ ህጹጽ ረድኤት መደባት ህዝባዊ ጥዕና ከምዝትግበር፡ ኤርትራ እውን ንድሕነት ጥዕና ዝምልከት ሃገራዊ ሰነድ ብምድላው፡ ብዕቱብ ትሰርሓሉ ከምዘላ ገሊጹ።

ንዕላማ ናይ’ዚ ዓውደ-ዘተ ብዝምልከት፡ ዶክተር ዓንደብርሃን ተስፋጽዮን፡ ሓደጋታት ምስ ጥዕና ደቂ-ሰብ ቀጥታዊ ምትእስሳር ስለዘለዎም፡ ብዝተጸንዐ ኣገባብ ጠንቅን ሳዕቤናትን ዝጎድለሉ መዳያት ንምንዳይ፡ ኣብ ዘጋጥመሉ ድማ ቅልጡፍን ዝተወሃሃደን መልሰግብሪ ንምሃብ፡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብዛዕባ ዝህሉ ናይ ስራሕ ዝምድና ንምዝታይ ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

ኣብ’ዚ ክሳብ 31 ግንቦት ዝቕጽል ዓውደ-ዘተ፡ ካብ ጨናፍር ሚኒስትሪ ጥዕና ኣብ ዞባታትን ካልኦት ሚኒስትሪታትን፡ ከምኡ’ውን ካብ ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦትን ዝተወከሉ ይሳተፉ ኣለዉ።

Categories