ብኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ከምኡ’ውን ብቀዋሚ ተልእኾ ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃን ቁጠባዊ ኮሚሽን ኣፍሪቃን ዝተወደበ ጽምብል ናጽነት፡ ብ25 ግንቦት ኣብ ሓድሽ ቀጽሪ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ – ብክብ ዝበለ ድምቀት ተኻይዱ።

እቲ ኣብ ክልተ ዝተኸፍለ ጽምብል፡ እቲ ቀዳማይ ክፋሉ – ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ዝመደበሮም ኣምባሳደራት፡ ዲፕሎማሰኛታት፡ ወከልቲ ኣህጉራውያንን ዞባውያንን ውድባት፡ ሓለፍቲ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃን ቁጠባዊ ኮሚሽን ኣፍሪቃን፡ ከምኡ’ውን መሓዙት ኤርትራ ዝተረኽቡሉ ናይ ምሳሕ እንግዶት’ዩ ነይሩ።

ኣብ’ቲ ኣስታት 250 ዕዱማት ዝተሳተፉሉ ጽምብል፡ ቀዋሚ ወኪል ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃን ቁጠባዊ ኮሚሽን ኣፍሪቃን ኣምባሳደር ኣርኣያ ደስታ፡ ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ቃል ኣስሚዑ።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ኣቶ ሰመረ ርእሶም፡ ንርዝነት ናይ’ቲ በዓል ዝገልጽ መደረ ከስምዕ እንከሎ፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብምውካል ዝተሳተፈት ስቴት ሚኒስተር ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ ድማ፡ ናይ ምሕዝነት ቃል ሂባ።

እቲ ካልኣይ ክፋል ናይ’ቲ ጽምብል፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ዝነብሩ ልዕሊ 700 ኤርትራውያን ዝተሳተፍዎ ባህላዊ መደብን ናይ ድራር እንግዶትን ዘጠቓለለ ነይሩ።

ኣብ መኽፈቲ ናይ’ቲ መደብ፡ ኣምባሳደር ሰመረ ርእሶም፡ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝርከባ ማሕበረ-ኮማት ኤርትራውያን፡ ከም ወትሩ ብጥርኑፍን ምዕሩግን ኣገባብ፡ ብልዑል ሃገራዊ ሓበን ዕለተ-ናጽነት ኤርትራ ክጽምብላ ምጽንሐን ጠቒሱ፡ “እንሆ ሎሚ ተራና ኣኺሉ፡ ነዛ ታሪኻዊት ዕለት – ኣብ’ዚ ድሕሪ 20 ዓመታት ዳግም ንምጽምባላ ብሓባር ኣብ ትሕቲ ሓደ ጽላል ንርከብ ኣሎና” ክብል፡ ንተሳተፍቲ ዮሃናኡ ገሊጹሎም።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ዞባና ንዝተፈጥረ ሓድሽ ሃዋህው ሰላምን ምትሕግጋዝን፡ ከምኡ’ውን ንሃብታም ታሪኽን ምዕሩግ ባህልን ህዝቢ ኤርትራን ባህርያዊ ጽባቐ ሃገርናን ዘርኢ ቪድዮ ንህዝቢ ቀሪቡ።

Categories