ኣብ ንኡስ ዞባ መንደፈራ ክትግበር ውጥን ዝወጸሉ መደብ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ከምኡ’ውን ምድልዳል መሬት፡ ብልዑል ኮማዊ ተሳትፎ 57 ሚእታዊት ከምእተሰላሰለ ተገሊጹ።

ሓላፊ ቁጠባዊ ልምዓት ንኡስ ዞባ መንደፈራ፡ ኣቶ ማእከለ ተስፋሚካኤል፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ 700 ሄክታር መሬት ሕርሻን ዝባደመ ጎቦታትን ንምዝላይ ካብ ዝወጸ መደብ፡ ነበርቲ 67 ዓድታት ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚሮም ብዘካይድዎ ዘለዉ ንጥፈታት፡ እቲ 400 ሄክታር ከምእተዓመ ኣብሪሁ።

ምስራሕ ከትርታትን ዛላታትን፡ ምስራሕ ሞጎጎ ኣድሓነትን ምዕቃብ ሃብቲ ገረብን፡ ከምኡ’ውን ምጽጋን ጽርግያ ዘጠቓልል መደባት፡ ካብ’ቲ ብኮማዊ ወፈራታት ክትግበር ዝተወጠነ መደባት ምዃኑ፡ ድሮ ድማ ነበርቲ ዓዲ-ዓዳ ተረባሕቲ ናይ’ታ ኣብ ከባቢኦም ዝተሰርሐት ንእሽቶ ዲጋ ኮይኖም ከምዘለዉ ሓቢሩ።

ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ኣቶ በረኸት ተስፋስላሰ፡ እቲ መደብ፡ ብምክትታል 60 ሞያውያን ሕርሻ ኣብ 15 ምምሕዳራት ከባቢ ይትግበር ከምዘሎ ገሊጹ።

ክኢላ ምዕቃብ ማይን ሓመድን፡ ኣቶ መኰነን ፍስሃየ፡ ሳላ ውህደት ህዝብን ሞያውያን ሕርሻን እቲ ስራሕ ኣዚዩ ኣድማዒ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ዛጊት ብተሳትፎ ልዕሊ 8 ሽሕ ሰብ፡ ኣስታት 60 ኪሎ-ሜተር ቅናታውን መትረባውን ዛላታት ከምእተሰርሐ ገሊጹ።

Categories