ፕረዚደንት ፖላንድ ኣንድረ ዱዳ፡ ፕረዚደንት ፖርቱጋል ማርሴሎ ዴ ሶሳ፡ ንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት፡ ፕረዚደንት ኩባ ሚጉዌል ድያዝ-ካነል፡ ፕረዚደንት ኮንፈደረሽን ስዊስ ኡሊ ማውረር፡ መራሒ ዖማን ቓቡስ ቢን ስዒድ፡ ንጉስ ኔዘርላንድስ ዊልየም ኣለክሳንደር፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ታይላንድ ጀነራል ፕራዩት ቻን-ኦ-ቻ፡ ፕረዚደንት ፍልስጤም ማሕሙድ ዓባስ፡ ፕረዚደንት ኣልጀርያ ዓብዱልቓድር ቢን ሳልሕ፡ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኤማንዌል ማክሮን፡ ንጉስ ዮርዳኖስ ዓብዱላሂ ካልኣይን ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ስሪላንካ ማይትሪፓላ ሲሪሰናን፡ ብምኽንያት ጽምብል ናጽነት – ናብ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ሰዲዶም።

እቶም መራሕቲ ኣብ መልእኽታቶም፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምሉእ ጥዕና፡ ንኤርትራን ህዝባን ድማ ሰላምን ብልጽግናን ድሕሪ ምምናይ፡ ዝምድና ሃገራቶም ምስ ኤርትራ ንምድንፋዕ ዘለዎም ድሌትን ቅሩብነትን ኣረጋጊጾም።

ዋና ዳይረክተር ውድብ መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት – ጆሰ ግራዝያኖ ዳ ሲልቫ እውን፡ ተመሳሳሊ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ሰዲዱ ኣሎ።

Categories