ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ከም መቐጸልታ ናይ’ቲ ካብ ዓዲ ክሳብ ደረጃ ንኡስ ዞባ ክሰላሰል ዝቐነየ መደባት ጽምብል ናጽነት፡ ብደረጃ ዞባ ዝተወደበ ስነ-ስርዓት፡ ብ23 ግንቦት ኣብ ከተማ ከረን ተኻዪዱ።

ኣብ’ቲ ብባህላውን ስነ-ጥበባውን መሰናድኦታት ደሚቑ ኣብ ስታድዩም ዝተኻየደ በዓል፡ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ከምኡ’ውን ብኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ተሳቲፉ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ዓሊ ማሕሙድ፡ መሪርን ነዊሕን ጒዕዞ ናጽነትን ምኽባር ልኡላውነትን ዝሓተቶ ዋጋን ብሰፊሑ ድሕሪ ምብራህ፡ እዚ ናይ ጽንዓትን ተወፋይነትን ክብሪታት ናብ ወሎዶታት ንምስግጋር ምስራሕ፡ ዕለተ ናጽነት እተመሓላልፎ መልእኽቲ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ከተማ ከረን ኣቶ ዘርእዝጊ ዳዊት ብወገኑ፡ መበል 28 ዓመት ናጽነት ካብተን ቅድሚኣ ዝነበራ ዓመታት ፍሉይነት ከምዘለዋ ብምግላጽ፡ ተኣትዩ ዘሎ መድረኽ ናይ ልምዓትን ዳግመህንጻን ስለዝኾነ፡ ኩሉ ዜጋ እጃሙ ከዕዝዝ ተላብዩ።

ዝተፈላለያ ጉጀለታት ባህሊ፡ ነቲ ጽምብል ተወሳኺ ድምቀት ክህባኦ እንከለዋ፡ ብገዳይም ተጋደልቲ ዝቐረበ ናይ ምውርራስ መደብ ከምኡ’ውን ሰነዳዊ ፊልምታት፡ ኣካል ናይቲ ካብ ፈለማ ወርሒ ግንቦት ክካየድ ዝቐነየ መደባት ናጽነት ነይሩ።

Categories