ኤርትራውያን ነበርቲ ሆላንድ፡ በዓል ናጽነት ብልዑል ድምቀት ጸምቢሎም።

እቲ ብኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ኣቶ ነጋሲ ካሳ ዝተኸፍተ ጽምብል፡ ንቘልዑ ኣብ ግምት ብዘእተወ መሰናድኦታትን ባህላዊ ጸወታታትን ዝተሰነየ ምንባሩ፡ ካብ’ቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ገሊጹ።

ኣምባሳደር ነጋሲ ካሳ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተኸሲቱ ዘሎ ሓድሽ መድረኽ ሰላምን ምሕዝነትን ብቐንዱ – ፍረ ጽንዓትን ተወፋይነትን ህዝቢ ኤርትራ ከምዝኾነ፡ ዜጋታት ድማ በብዘለውዎ ሓድነቶም ኣደልዲሎም፡ መደባት ልምዓት ንምድጋፍ ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣዘኻኺሩ።

ቈንስል ኤርትራ ኣቶ ሰለሙን መሓሪ ብወገኑ፡ 24 ግንቦት ኣብ ልቢ ነፍሲ-ወከፍ ኤርትራዊ ፍሉይ ቦታ ከምዘለዋ፡ ዓመት መጸ ንምድማቓ ዝግበር ምድላዋት ድማ፡ ካብ’ዚ ዝነቅል ምዃኑ ብምሕባር፡ ንናይ ሎሚ ዓመት ጽምብል ናጽነት ኣብ ሆላንድ ንምድማቕ ልዑል ኣበርክቶ ንዝገበሩ ብሓፈሻ ንኣዴታት ድማ ብፍላይ ኣመስጊኑ።

Categories