ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ምለዛናይ – ንኡስ ዞባ ሎጎ-ዓንሰባ፡ ሓደ ኣብነታዊ ሓረስታይ – ገንዘቡን ጉልበቱን ኣወሃሂዱ ንከባቢኡ ዝጸለወ ስራሕ ተግቢሩ።

ጎቦታትን ስንጭሮታትን ብምምድማድ፡ ብውሱን ፈልሲ ኮሚደረ ጀሚሩ ናብ መፍረ ንህብን ፍረታትን ዝተሰጋገረ ኣቶ ዮሴፍ ዘርኣይ፡ ቀንዲ ማሕንቖ ኮይንዎ ዝጸንሐ ምንጪ ማይ ንምፍታሕ፡ ብዓቕሙን ደገፍ ፈተውትን ራህያ ከምዝሰርሐ ሓቢሩ።

ኣብ ትሕቲ’ታ ራህያ፡ ኣስታት 400 ኣትክልቲ ለሚን፡ ኣራንሺ፡ ዘይቱንን ማንጉስን ከምዝተኸለ፡ ድሮ ድማ እቲ ኣስታት 300 ኣብ ፍረ ከምዝበጽሐ ዝሓበረ ኣቶ ዮሴፍ፡ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ሎጎ-ዓንሰባን ሚኒስትሪ ሕርሻን ንዝገበሩሉ ሓገዝ ኣመስጊኑ።

እታ 12 ሜትሮ ብራኸን 70 ሜትሮ ጐድኒን ዘለዋ ራህያ፡ 35 ሽሕ ሜተር ኲብ ማይ ክትሕዝ ከምእትኽእል፡ ኣብ ትሕቲኣ ዝለምዕ ዘሎ 2 ሄክታር ጀራዲን ድማ፡ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ከምዝርከብ ተፈሊጡ።

Categories