ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታን ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ሰርብያ ኣለክሳንደር ቪቺችን፡ ብኣጋጣሚ መበል 28 ዓመት በዓል ናጽነት፡ ናብ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ሰዲዶም።

እቶም መራሕቲ፡ ብስሞም ብስም መንግስታቶምን ህዝብታቶምን ኣብ ዝሰደድዎ መልእኽቲ፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምሉእ ጥዕና፡ ንኤርትራን ህዝባን ድማ ሰላምን ብልጽግናን ተመንዮም።

ፕረዚደንት ኬንያታን ፕረዚደንት ቪቺችን ኣስዒቦም፡ ዝምድና ሃገራቶም ምስ ኤርትራ ንምምዕባል ከምዝሰርሑ ኣረጋጊጾም።

Categories