ወግዓዊ ጽምብል መበል 28 ዓመት በዓል ናጽነት ኤርትራ፡ “ጽንዓት ብጽንዓት ንልምዓት” ብዝብል ቴማ፡ ትማሊ 24 ግንቦት ኣብ ስታድዩም ኣስመራ ብልዑል መዓርግ ተኻዪዱ።

እቲ ስነ-ስርዓት፡ ኣባላት 32 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብዘቕረቡዎ መሳጢ ወተሃደራዊ ሰልፊ፡ ንጽንዓትን ናይ መኸተ ያታን ህዝቢ ኤርትራ ዘንጸባርቕ ስነ-ጥበባዊ መሰናድኦታት፡ ከምኡ’ውን ምርኢት ክላስተኒክስ ተመሃሮ ደሚቑ ነይሩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዮሃና ድሕሪ ምባል፡ ንኹሎም ኣብ ጐድኒ ህዝቢ ኤርትራን ኣብ ጐድኒ ሓቂን ፍትሒን ደው ዝበሉ ኣመስጊኑ።

ህዝቢ ኤርትራ ንኣስታት ፍርቂ ዘመን ንብድሆታት ፖለቲካዊ ውዲታት ሓያላንን ናይ ጸላእቲ ተጻብኦታትን እናሰዓረ፡ ከምኡ’ውን ንናይ ውሽጢ ከፋፋሊ ግዕዘይ ፖለቲካ እናኣረመን መሳርዑ እናጽረየን ናጽነቱን ልዑላውነቱን ከምዘውሓሰ፡ እዚ ድማ ውጽኢት ናይ ጽንዓት ክብሪታቱ ከምዝኾነ እውን ኣረዲኡ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነታ ብኸቢድ መስዋእቲ ሓራ ዝገበራ ሃገሩ ክሃንጽ ኣብ ዝተበገሰሉ፡ ዕረፍቲ ብዘይህብ ተጻብኦታት ንምስናፉን ንምጽዓዱን ዝተኻየደ ፈጠራ ግጭታት ዶብ፡ ጠቐነ እገዳ፡ ቅሉዕ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲታት፡ ፖለቲካዊ ውዲታት፡ ቁጠባዊ ሸርሕታት፡ ናይ ፍልሰት ኲናት፡ ከምኡ’ውን ናይ ምንጻልን ምስይጣንን ስነ-ኣእምሮኣዊ ወራራት ዘጠቓልል በደል – ኣብ ልዕለኡ ከምእተፈጸመ፡ እዚ ግዳ ብጽንዓቱ ኩሉ ከምዝበነነ ድሕሪ ምብራህ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ቀዳምነት ዝወሃቦ ዕማም፡ ተኸሲቱ ንዘሎ ሓድሽ መዋእል ጥጡሕ ባይታን ሃዋሁን ምውሓስ ከምዝኾነ ገሊጹ። (ምሉእ ትሕዝቶ ቃል ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ገጽ 2 ኣሎ)

ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ ብወገኑ፡ ንጽምብል ናጽነት ዝተዳለወ ትሕዝቶ፡ ኣብ ባህላዊ መዳያት ዘተኰረ፡ ብዙሓት ስነ-ጥበበኛታት፡ ደረስቲ፡ ሃንደስቲን ካልኦት ሞያውያንን ዝተሳተፉዎ መግለጺ መንነትናን እንታይነትናን ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ንኹሎም ንድምቀት ናይ’ቲ ጽምብል ዝጸዓሩን ዘበርከቱን ምስጋና ኣቕሪቡ።

እቲ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ዲፕሎማሰኛታትን ወከልቲ ኣህጉራውያን ውድባትን፡ ከምኡ’ውን ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ወከልቲ ህዝቢ ዝተረኽቡሉ ብጥሉል ክራማት ዝተሰነየ ስነ-ስርዓት፡ ብኤሪ-ቲቪን ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራን ብቐጥታ ተፈንዩ።

Categories