ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢ ኣሕመድ፡ ፕረዚደንት ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልያ መሓመድ ዓቡዱላሂ መሓመድን ፕረዚደንት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሼኽ ኸሊፋ ቢን ዛይድ ኣልናህያንን፡ ብኣጋጣሚ ጽምብል ናጽነት፡ ናብ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ሰዲዶም።

ምክትል ፕረዚደንትን ቀዳማይ ሚኒስተርን ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሼኽ መሓመድ ቢን ራሽድ ኣልመክቱም፡ ከምኡ’ውን ወራስ ዓራት ኣቡዛቢን ምክትል ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ሼኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣልናህያን እውን ተመሳሳሊ መልእኽቲ ሰዲዶም።

እቶም መራሕቲ ኣብ መልእኽታቶም፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምሉእ ጥዕና፡ ንኤርትራን ህዝባን ድማ ሰላምን ብልጽግናን ተመንዮም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢ ኣሕመድ፡ ኣብቲ ብስሙን ብስም መንግስቱን ዝሰደዶ መልእኽቲ፡ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን፡ ኣብ ክልተኣዊ ዝምድና ሓድሽን ትስፉውን ምዕራፍ ከምዘበሰረ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ዝተገብረ ምብጽጻሕ ድማ፡ ብኽልቲኡ ወገን ንዘሎ ድሌት ምምዕባልን ምድልዳልን ዝምድናታት ዘረጋግጽ ከምዝኾነ ብምጥቃስ፡ “እዚ ዝምድናታት’ዚ ንሓባራዊ ረብሓታት ሃገራትናን ህዝብታትናን ብዘደንፍዕ መዳይ፡ ናብ ዝበረኸ ደረጃ ከምዝድይብ ጽኑዕ እምነት ኣሎኒ” ክብል ገሊጹ።

ፕረዚደንት ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ሳህለ-ወርቅ ዘውደ እውን ተመሳሳሊ መልእኽቲ ኣመሓላሊፋ ኣላ።

ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ብወገኑ፡ ኣገዳስነት ምምዕባል ታሪኻዊ ዝምድና ሶማልያን ኤርትራን፡ ኪኖ ክልቲአን ሃገራት ዝኸይድ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ተጀሚሩ ዘሎ ጻዕሪታት ንምዕዛዝ ከምዝሰርሕ ኣረጋጊጹ።

ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ሪፓብሊክ ደቡብ ኣፍሪቃ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ባይቶ – ANC ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ፡ ምስ’ቲ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝነፍስ ዘሎ ንፋስ ሰላም፡ ብምኽንያት ጽምብል ናጽነት፡ ንመሪሕነትን ህዝብን ኤርትራ ዮሃና ክብል ክብሪ ከምዝስመዖ ገሊጹ።

Categories