ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ሰፊሕ ህዝባውን ወግዓውን ምድላዋት ክካየደሉ ዝቐነየ በዓል ናጽነት፡ ብ22 ግንቦት ብልዑል ማዕርግ ተጸምቢሉ።

ኣብ ስታድዩም ከተማ መንደፈራ ኣብ ዝተኻየደ – ሚኒስተራትን ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ዝርከቡዎም ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ ከምኡ’ውን ወከልቲ ህዝቢ ዞባ ደቡብ ዝተረኽቡሉ ስነ-ስርዓት፡ ኣቦ-መንበር ዞባዊ ሽማግለ በዓላት ኣቶ ኣብርሃም ዮውሃንስ፡ ሎምዘበን፡ ህዝቢ ኤርትራ ብኹለንትናኡ ዝደመቐ በዓል ከሕልፍ እንከሎ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ – ብቐሊል ዝጥመት ከምዘይኮነ ገሊጹ። ህዝቢ በብከባቢኡ ንዘርኣዮ ዕዙዝ ሱታፈ ድማ ሞጒሱ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ኤፍረም ገብረክርስቶስ ብወገኑ፡ መበል 28 ዓመት ጽምብል ናጽነትና፡ ንመብዛሕትኦም ዓበይቲ ብድሆታትን ተጻብኦታትን ብዓወት ኣብ ዝሰገርናሉ እዋን ነብዕሎ ምህላውና ፍሉይ ከምዝገብሮ ድሕሪ ምጥቃስ፡ “ሳላ ዝጸናዕናን ዝተጸመምናን፡ ኩነተ ኣይሰላም-ኣይኲናት ኣብቂዑ፡ ኣብ ልዕሌና ዝተስገደደ እገዳ ተላዒሉ፡ ኣብ ትስፉው መድረኽ ልምዓትን ምዕባለን ረጊጽና ኣሎና” ክብል ገሊጹ።

እቲ ጽምብል፡ ብሕብራዊ ምንቅስቓስ ተመሃሮ፡ ከምኡ’ውን ብትልሂት ዝተሰነየ ጣዕመ-ዜማታትን ድራማን ደሚቑ ነይሩ።

ኣቐዲሙ ብ21 ግንቦት፡ ብምኽንያት በዓል ናጽነት – 4 ምምሕዳራት ከባብን ዝተፈላለያ ትካላትን ከተማ መንደፈራ ዝተሳተፋኦ ካርኒቫል፡ ኣብ ቀንዲ ጎደና’ታ ከተማ ቀሪቡ።

ኣብ’ቲ “ጽንዓት ብጽንዓት ንልምዓት” ንዝብል መሪሕ ቴማ ዘንጸባርቕ ትሕዝቶ ዝሓዘ ካርኒቫል፡ ንናይ ሎሚ ዓመት ጽምብል ናጽነት ተወሳኺ ማዕርግ ከምዝሃቦ፡ ልእኽቲ ኤሪና ሓቢራ።

Categories