ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ (ሃ.ማ.ሓ.ስ.ኲ.ኤ) ጨንፈር ሽወደን፡ “መብጸዓን ተወፋይነትን” ብዝብል ቴማ፡ ብ11 ግንቦት ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ዕለተ-ምምስራቱ፡ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ጸምቢሉ።

“ሓርበኛታት ስንኩላን፡ ሕላገት ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ እዮም” ዝበለ ኣቦመንበር ጨንፈር ማሕበር ኣብ ሽወደን፡ ኣቶ ተኸስተ ፍስሃየ፡ ማሕበሮም ኣብ ሽወደን ንዝነብሩ ዜጋታት ብምውዳብን ብምጒስጓስን፡ ምስ ኣደ-ማሕበርን መሻርኽቲን ብምትሕብባር፡ ሕልና ዘቕስን ምቕሉል ደገፍ ክገብር ምጽንሑ ገሊጹ።

ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሃገራት ስካንዲናቭያ፡ ኣቶ ዮናስ ማና፡ ብጨናፍር ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ይኹን ብግዱሳት ውልቀሰባት ንስንኩላን ዝግበር ደገፍ፡ ኣብቲ ብመንግስቲ ዝካየድ ቀጻሊን ዓብን ወፍሪ ኣገዳሲ ኣበርክቶ ከምዘለዎ ኣረዲኡ። ንሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ ጨንፈር ሽወደን ድማ፡ ስለ’ቲ ን25 ዓመታት ዝቐጸሎ ዕዙዝ ደገፍ ኣመስጊኑ።

ንሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ብምውካል ቃል ዘስመዐ ኣቶ ኣምሃ ኪዳነ ድማ፡ እቲ ጨንፈር ብዕዙዝ ኣበርክቶኡ ኣብ ልቢ ሓርበኛታት ስንኩላን ፍሉይ ቦታ ካብ ዝሓዙ ጨናፍር ማሕበር ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብ መጻኢ ብዝሓየለ ውዳበ ዝበረኸ ዕዮ ከምዘተግብር ጽኑዕ እምነቱ ገሊጹ።

Categories