ካብ ኩለን ምምሕዳራት ከባቢ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ ዝተዋጽኡ መንእሰያት ሰራሕተኛታት፡ ብ12ን 13ን ሚያዝያ፡ ኣብ ምሕያል ውዳበታቶም ብምትኳር ኣብ ከተማ ሓጋዝ ዘተ ኣካይዶም።

ኣብ’ቲ ዓውደ-ዘተ፡ ንተራን ኣበርክቶን ምሕደራን መሪሕነትን፡ ዓውለማን ሳዕቤናቱን ብመንጽር ክብጻሕ ዝግብኦ ሸቶታት፡ ከምኡ’ውን ንምስጢር ዓወታት ህዝባዊ ግንባር ዝምልከት መብርሂ ተዋሂቡ።

ሓላፊ ሃማመተኤ ዞባ ዓንሰባ መንእሰይ ኣዛዚ በረኸትኣብ፡ መንእሰያት – ማሕበርን መንግስትን ንዝፈጠሩሎም ዕድላት ተጠቒሞም፡ ብኣካዳሚን ሞያን ክስጒሙ ጻዕሪታቶም ከሐይሉ ኣዘኻኺሩ።

እቶም መንእሰያት፡ ካብ ደሞዞም ወርሓዊ ስልዒት ብምግባር ንስድራ ስዉኣትን ጽጉማት ወገናትን ክሕግዙ፡ ከምኡ’ውን ናብ ታሪኻዊ ቦታታት ዑደት ክገብሩ መደብ ከምዘለዎም ሓቢሮም።

Categories