ኣብ ንኡስ ዞባ ሰልዓ፡ ድሩትነት ዝርጋሐ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት፡ ተኣትዩ ምስ ዘሎ ናይ ሰላምን ልምዓትን መድረኽ ፍሉይ ጠመተ ክወሃቦ፡ ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ውኤላ መሓመድ-ዓሊ ጸዊዑ።

ኣቶ ውኤላ፡ ምስ ጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ እቶም ቀንዲን ነቲ ካልእ ኣገልግሎታት ብቐጥታ ዝጸልዉን ጸገማት – ናይ ጽርግያን መጐዓዝያን ምዃኖም፡ ኣገልግሎታት ዝስተ ማይን ጥዕናን እውን ነቲ ኣስታት 23 ሽሕ ዝኸውን ነባሪ ኣብ ግምት ዘእተዉ ስለዘይኮኑ፡ ንምምዕባሎም ዝቐንዐ መደብ ክትግበር ተላብዩ።

ንትምህርቲ ብዝምልከት፡ 13 ኣብያተትምህርቲ ስሩዕ ኣገልግሎት ይህባ ከምዘለዋ፡ መደብ ምጥፋእ መሃይመነት ኣብ 43 ነቚጣታት ከምዝካየድ ብምሕባር፡ እዚ ዝርጋሐ’ዚ – ብህንጸት ዘመናዊ ኣብያተ-ትምህርቲ ተሰንዩ ናብ ዝሓሸ ደረጃ ክስጉም ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።

ኣቶ ውኤላ፡ ኣብ ከባቢ ርከብ ዘሎ ኩባንያ ዕደና ዛራ ብዝፈጠሮ ናይ ስራሕን ስልጠናታትን ዕድል፡ ከምኡ’ውን ዘዋደዶ ፕሮጀክት ማይ፡ ኣብ መነባብሮ ነበርቲ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ይገብር ከምዘሎ ገሊጹ።

Categories