ሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳር ኣቶ ወልደንኪኤል ኣብርሃ፡ ኩነታት መደባት ልምዓትን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ንምዕዛብ፡ ብ2 ሚያዝያ ኣብ ሓልሓልን ኣስማጥን ዑደት ኣካዪዱ።

ሚኒስተር ወልደንኪኤል ኣብ’ዚ ናይ ሓደ መዓልቲ ዑደቱ፡ ትካላት ትምህርትን ጥዕናን፡ ሕርሻዊ ልምዓትን ሕጽረታቱን፡ ፕሮጀክታት ማይን ኣብ መስርሕ ምጽጋን ዝርከብ ጽርግያ ከረንኣስማጥን ተዓዚቡን፡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ተዘራሪቡን።

ምስ ተመሃሮ ኣሕዳሪት ቤትትምህርቲ ኣስማጥ ድሕሪ ምዝታይ ድማ፡ ኣብ ኣስማጥ እትርከብ መዋእለህጻናት ሕጽረታታ ብዛዕባ ዝማልኣሉ፡ ኣብ ኣስማጥ ኣብ ከባብያዊ ጽሬት ተመዝጊቡ ዘሎ ዓወታት ዝድንፍዓሉ ኩነታት፡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ተዘራሪቡ።

Categories