ሃማመተኤ ጨንፈር ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ “ተወዳዳሪ ብቕዓት ዝጠልብ መድረኽ” ብዝብል ኣርእስቲ፡ ውዳበ መንእሰያት ንምሕያል ዝሕግዝ ሰሚናራት፡ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ከርከበትን ሰልዓን ኣቃኒዑ።

እቲ ካብ መፋርቕ ወርሒ መጋቢት ክካየድ ዝቐነየ ሰሚናራት፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ከርከበት – ምምሕዳራት ከባቢ ሂምቦል-ቀጨጭ፡ ሃመሽደባ፡ ኣመላይትን ፕሮጀክት ሕርሻ ከርከበትን፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ሰልዓ ድማ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ሕሩምን ሓውሲ ከተማ ርከብን እዩ ተኻዪዱ።

ኣብ ሃማመተኤ ዞባ ጋሽ-ባርካ ሓላፊ ፖለቲካን ውዳበን ኣቶ ማሪቆስ ግርማጼን፡ ዕላማ ናይ’ቲ ሰሚናራት፡ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ዝርከቡ መንእሰያት፡ ውዳበኦም ሓዪሉ ተጠቀምቲ ዝተፈላለዩ ዕድላት ብምዃን፡ ኣበርክቶኦምን ተሳታፍነቶምን ኣብ መደባት ልምዓት ከምዝዓዝዝ ንምግባር ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

ተሳተፍቲ፡ ሞያዊ ስልጠናታትን ዕድላት ስራሕን ክፍጠሩ፡ ማእከላት ምዝንጋዕ ክዋደዱ፡ ዕድል ትምህርቲ ንዝሓለፎም መንእሰያት ባይታ ክፍጠር፡ ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

Categories