ብምውህሃድ ሚኒስትሪ ዜናን ማእከል ትካላዊ ብቕዓት ኤርትራን፡ ከም መዛዘሚ ናይ’ቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት – ኣብ እምባትካላ ንኣባላት ሚኒስትሪ ዜና ዝተዋህበ ኣብ ምሕደራን መሪሕነትን ዘተኰረ ስልጠና፡ ኣብ ምድንፋዕ ውህደት ኣካላትን ምምሕያሽ መደባትን ዘተኰረ ዓውደ-ዘተ፡ ብ6 ሚያዝያ ኣብ ኣዳራሽ ሃኮሰኤ – ኣስመራ ተኻዪዱ።

ኣብ’ቲ ዓውደ-ዘተ፡ እማመ ምውርጻጽ ሓድሕዳዊ ተመርኳስነትን ተመላላእነትን ኣካላት ሚኒስትሪ ዜና – ማለት ጋዜጣ፡ ሬድዮ፡ ተሌቪዥን፡ ኒውስ-ሩም፡ ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብ፡ ምህንድስና፡ ቴክኖሎጂ ሓበሬታን ምምሕዳርን ፋይናንስን ቀሪቡን ዘተ ተኻዪዱሉን።

ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ምሕደራ ከም ዓውደ-ትምህርቲ ነዊሕ ግዜ ዝሓትት ሰፊሕ ዓውዲ’ኳ እንተዀነ፡ ጐድኒ-ጐድኒ ስራሕካ – ዓቕምታትካ ንምድራዕን ጉድለታትካ ንምፍታሽ ዝሕግዝን ግብራዊ ስልጠናታት ምውዳብ፡ ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ዳይረክተር ማእከል ትካላዊ ብቕዓት ኤርትራ፡ ዶክተር ኣቤል ሃብተማርያም ድማ፡ እቲ ዓውደ-ዘተ፡ ኣብ እምባትካላ ንዝተኻየደ ስልጠናን ውጽኢቱን ንምምዛንን፡ ኣብኡ ንዝቐረቡ እማመታት ተተግባሪ ብዝኾነ መገዲ ንምርቃቕን ዝዓለመ ምዃኑ ሓቢሩ።

“ትካላዊ ብቕዓት፡ መስርሕ ደኣ’ምበር ተሃኒጹ ደው ዝብል ኣምር ኣይኮነን” ዝበለ ንሰልጠንቲ ዝወከለ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ፕረስ ኣቶ ሰለሙን በርሀ፡ ተመሳሳሊ ስልጠናታት ቀጻልነት ክህልዎ ኣዘኻኺሩ።

Categories