ገዲም ተጋዳላይ ሃብተኣብ ስብሃቱ ገብረስላሴ፡ ብ8 ሚያዝያ ብሕማም ኣብ መበል 62 ዓመት ዕድመኡ ተሰዊኡ።

ኣብ ወርሒ መስከረም 1975 ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ተጋዳላይ ሃብተኣብ፡ ቅድሚ ናጽነት – ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ክሳብ ደረጃ መራሕ ሓይሊ ዝበጽሐ፡ ድሕሪ ናጽነት ድማ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ፋይናንስ ተመዲቡ ንሃገሩን ህዝቡን ብተወፋይነት ዘገልገለ ሓርበኛ እዩ።

ተጋዳላይ ሃብተኣብ ስብሃቱ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሽዱሽተ ደቂን እዩ።

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ተጋዳላይ ሃብተኣብ፡ ሎሚ ሰሉስ ሰዓት 4፡00 ድሕሪ-ቐትሪ ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ክፍጸም እዩ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ብመስዋእቲ ገዲም ተጋዳላይ ሃብተኣብ ስብሃቱ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራ-ቤቱ፡ መቓልስቱን መሳርሕቱን ጽንዓት ይምነ።

Categories