ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፡ ትማሊ 8 ሚያዝያ ኣብ ከተማ ሪያድ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑድያ ኢብራሂም ዓብደልዓዚዝ ኣልዓሳፍ ተራኺቡ ዘትዩ።

ክልቲኦም ወገናት፡ ኣብ ምዕዛዝ ሓባራዊ ረብሓ ዘለዎም ሽርክነታዊ መደባትን ኣብ ጽላታት ንግድን ወፍሪን ክውሰዱ ዝግብኦም ጭቡጣት ስጒምቲታትን ኣስፊሖም ተዘራሪቦም።

ልኡኽ ኤርትራን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑድያን ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ ምዕባለታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪን ተመያዪጦምን ሓሳብ ተለዋዊጦምን።

ልኡኽ ኤርትራ፡ ኣብ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝጸንሓለን ኣርባዕተ መዓልታት፡ ምስ ላዕለዎት ሰብ-መዚን ስዑዳውያን ኣውፈርቲን፡ ከምኡ’ውን ምስ ማሕበረኮም ኤርትራውያን ርክብ ከካይድ እዩ።

እቲ ላዕለዋይ ልኡኽ፡ ኣብ ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልያ ዘካየዶ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዛዚሙ እዩ ስዑድያ ኣትዩ ዘሎ።

ኣቐዲሙ እውን፡ ኣብ ሪፓብሊክ ግብጺ ተመሳሳሊ ርክብ ብምክያድ፡ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሰይድ ሳምሕ ሽኩሪ፡ ኣብ ምድንፋዕ ክልተኣዊ ዝምድናን ሓባራዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎም ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያትን ከምዝዘተየ ይዝከር።

Categories