ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ጥዕና እንስሳታት ንምውሓስ ብዘካይዶ ዘሎ ቀጻሊ ጻዕሪ፡ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ጥሪት ዝረኣዩ ዝነበሩ ሕማማት ብሓፈሻ፡ ምቑላዕን ፍሮማይን ከምኡ’ውን ውሽጣውን ደጋውን ባልዓት ድማ ብፍላይ ከም ዝነከዩ ተሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ዞባ ሓላፊ ሓለዋ ጥዕና እንስሳታት መንእሰይ ማሕሙድ እድሪስ፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ፎሮ፡ ባጽዕ፡ ጊንዳዕ፡ ሻዕብን ኣፍዓበትን 55 ነቚጣታት ብምኽፋት ንልዕሊ 155 ሽሕ ጥሪት ናጻ ኣገልግሎት ክታበት ከምእተዋህበን፡ ጥዕና ጥሪት ኣብ ዘተኣማምን ደረጃ ከምዘሎን ኣብሪሁ።

እቲ ዞባ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ስለዝዳወብ፡ ስግረ-ዶባዊ ሕማማት ንምክልኻል ዕቱብ ምክትታል ይግበር ከምዘሎ ዝሓበረ ኣቶ ማሕሙድ፡ ብሰንኪ ምስጋመን ዘይተኸትባ ጥሪት ስለዘለዋ፡ ንባሕሪ ምስ ወረዳ ክኽተባ መደብ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

“ዛጊት፡ ዝኾነ ዘስክፍ ተርእዮ ሕማም የለን” ድሕሪ ምባል ከኣ፡ ሓረስቶት ዝጥርጥርዎ ምልክት ሕማም ምስ ዝርእዩ፡ ንዝምልከቶ ኣካል ብኣጋ ክሕብሩ ኣዘኻኺሩ።

Categories