ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ንጥፈታት ማሕበር መማህራን ንምሕያል፡ ተራ መማህራንን ርእሳነ-መማህራንን ክዓቢ ከምዝግባእ፡ ብ27 መጋቢት ኣብ ባረንቱ ኣብ ዝተኻየደ ወከልቲ ማሕበር ኣብ ንኡሳን ዞባታት ዝተረኽቡሉ ኣኼባ ተገሊጹ።

ኣብ’ቲ ርክብ፡ ተበጋጊሱ ዘሎ ንጥፈታት ክሕይልን ኣወዳድባ ኣባላት ክሰፍሕን፡ ምቛም ኣብያተወግዒ መማህራን ክድፋኣሉን ዘድሊ መሳለጥያታት ክማልኣለንን ለበዋ ቀሪቡ።

ኣቦ-መንበር ማሕበር መማህራን ኣብ ጋሽ-ባርካ መምህር ዩሱፍ ዳንክ፡ ኩሎም ኣብ’ቲ ዞባ ዝነጥፉ መማህራን ኣብ ትሕቲ ጽላል ማሕበር ተሓቚፎም ግቡኣቶም ከማልኡን መሰላቶም ክረኽቡን ምእንቲ፡ ኣብ ንጥፈታት ማሕበር ብቐረባ ክሳተፉን ንዕብየቱ ክሰርሑን ተማሕጺኑ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ጋሽ-ባርካ መምህር መሓመድዓሊ ኢብራሂም፡ ነቲ ጽቡቕ ተበጋጊሱ ዘሎ ንጥፈታት ማሕበር ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ንምሕያል፡ ብወገኖም ዘድሊ ደገፍ ክገብሩ ምዃኖም ኣረጋጊጹ።

ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ኣብ ማሕበር ዝተጠርነፉ 3,887 መማህራን ኣለዉ።

Categories