ኣብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ፡ ኣብ ኣብያተትምህርቲ ዝተኣታቶ ዘሎ ድጂታላዊ ኣብያተ-ንባብ፡ ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ዓቢ ደገፍ ይገብር ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ርእሰ-መምህር ማእከላይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ መጠራ መምህር የማነ ተኸስተ፡ ዲጂታላዊ ቤት-ንባብ – ተመሃሮን መማህራንን ዝደለይዎ ሓበሬታ ብድምጽን ስእልን ስለዝረኽቡሉ፡ ፍልጠቶም ንምዕማቚ ከምዝሕግዞም ገሊጹ።

እቲ ዲጂታላዊ ኣገባብ፡ ብዘይካ ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ’ቲ ቤት-ትምህርቲ፡ ክሳብ 150 ሜትሮ ኣብ ዝዝርጋሕ ከባቢ እውን፡ ብመንገዲ ዋይ-ፋይ ክትጥቀመሉ ዘኽእል ምዃኑ ገሊጹ። እዚ ቴክኖሎጂ’ዚ፡ ሕጽረት መጽሓፍቲ ብምምላእ፡ ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ንዝጸንሐ ጸገማት ከቃልል ትጽቢት ከምዘሎ ድማ ኣረዲኡ።

እቲ መስርሕ፡ ናብተን ተሪፈን ዘለዋ ኣብያተ-ትምህርቲ ንምትእትታው ዝሰላሰል ዘሎ ዕማም ክሕይል ድማ ተላብዩ።

Categories