ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ትማሊ 6 ሚያዝያ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ ኣብ ከተማ ሞቓዲሾ – ምስ ፕረዚደንት ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልያ መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ተራኺቡ ዘትዩ።

ትሕዝቶ ናይ’ቲ ኣብ ህንጻ ቤተመንግስቲ ‘ቪላ ሶማልያ’ ዝተገብረ ዘተ፡ ኣብ ምዕዛዝ ክልተኣዊ ዝምድና ኤርትራን ሶማልያን፡ ኣብ ገስጋስ ዞባዊ ቊጠባዊ ውህደትን ሓባራዊ ኣገዳስነት ዘለዎም ካልኦት ጉዳያትን ዘተኰረ እዩ።

ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ኣብ ሶማልያ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም፡ ትማሊ ከተማ ሞቓዲሾ ኣብ ዝኣተወሉ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማልያ ኣሕመድ ዒሰ ዓወድን ካልኦት ሰብ-መዚን ተቐቢሎምዎ።

Categories