ኣብ ሙኒክ – ጀርመን፡ ካታንያ፡ ተራሞን ናፖሊን – ኢጣልያ፡ ኣብ ጁባ – ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ዝነብሩ ዜጋታት፡ ኣብ ህሉው ኩነታት ዘተኰሩ ሰሚናራት ኣካዪዶም።

ብመሰረት’ዚ፡ ብ30 መጋቢት ኣብ ከተማ ሙኒክ ኣብ ዝተኻየደ ሰሚናር፡ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ጀርመን፡ ኣቶ ዮውሃንስ ወልዱ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተበጽሐ ዕርቀ-ሰላምን ድሒሩ ዝሰዓበ ዞባዊ ውህደትን ፍረ ሓያል መኸተ፡ ጽንዓትን ፖለቲካዊ ብስለትን ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ኣረዲኡ።

ንነበርቲ ከተማታት ካታንያ፡ ተራሞን ናፖሊን ኣብ ዝተኻየደ ሰሚናር ድማ፡ ተኣትዩ ንዘሎ መድረኽ ሰላም ዘብርህ መግለጺታት ቀሪቡ – ተራ ዜጋታት ኣብ መደባት ሃገራዊ ልምዓት ዘብርህ ዘተ ድማ ተኻዪዱ።

ነበርቲ ከተማ ጁባን ከባቢኣን ኣብ ዘካየዱዎ ተመሳሳሊ ሰሚናር፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን፡ ኣቶ ዮውሃንስ ተኽለሚካኤል፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተኸሲቱ ዘሎ ሓድሽ መድረኽ ምትሕግጋዝ ንምድንፋዕ፡ ኤርትራ ካብ ቀዳምነታታ ገይራ ትሰርሓሉ ከምዘላ ገሊጹ።

Categories