ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ዝወደቦ፡ ንኩነታት ማሕበራዊ ናብዮት፡ ዝተገብረ ደገፍን ካልእን ብዝምልከት ብደረጃ ሃገር ኣብ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ንምዝታይ፡ ትማሊ 4 ሚያዝያ ኣብ ኣስመራ ዓውደ-ዘተ ተኻዪዱ።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ድሕነት ኣቶ ምሕረትኣብ ፍስሃየ፡ ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ዝተተግበሩ መደባት ማሕበራዊ ናብዮት፡ ብንጹርን ስሩዕን ኣገባብ ተጠርኒፎም ከይተሰነዱ ከምዝጸንሑ ብምሕባር፡ እቲ መጽናዕቲ ነዚ ሃጓፍ’ዚ ንምልላይ ከም እተኻየደን፡ ዕላማ’ቲ ዓውደ-ዘተ ነቲ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፡ ብተሳትፎ ኣካላት መንግስትን ማሕበራትን ንምህብታሙ ከምዝኾነን ኣረዲኡ።

ተሳተፍቲ፡ ኣብ’ቲ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ዘለዎም ሓሳባት ድሕሪ ምፍሳስ፡ ንዝቐረበ ርእይቶታት ኣብ ግምት ዘእተወ ሰነድ ተዳልዩ ክዝርጋሕ ኣብ ምርድዳእ ተበጺሑ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ሚኒስተር ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ወይዘሮ ልኡል ገብርኣብ፡ ወኪል ዩኒሰፍ ኣብ ኤርትራ ሚስተር ፒየር ንጎም፡ ከምኡ’ውን ወከልቲ ዝተፈላለያ ሚኒስትሪታትን ሃገራውያን ማሕበራትን ተረኺቦም ነይሮም።

Categories