ሃገራዊ ትካል ምርምር ሕርሻ ሓልሓለ፡ ኣብ ልምዓት ምሩጻት ዓሌታት ኣሕምልትን ፍረታትን ዘተኰረ ናይ ክልተ ሰሙን ስልጠና ሂቡ።

ኣብ’ቲ ስልጠና፡ ኣብ ጎልጅ፡ ሻምብቆ፡ ኣቝርደት፡ ሽዕብ፡ ጋሕተላይ፡ ሓጋዝን ማእከላይ ቦታ ምርምር ሕርሻ ሓልሓለን ካብ ዝርከባ ሽድሽተ ነቝጣታት ሕርሻ ዝተወከሉ 35 ክኢላታት ተሳቲፎም።

ኣብ’ቲ ትካል ተመራማሪ ኣሕምልትን ፍረታትን መንእሰይ መድሃኔ መሓሪ፡ እቲ ስልጠና፡ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ተጠቒምካ ብዝካየድ ምዕቃብ ምሩጻት ዓሌታትን ምድቓል ዘርኢን እቶታውነት ክብ ንምባል ዝዓለመ ምዃኑ ሓቢሩ።

Categories