ኮርፖረሽን ጥሪትን ዘራእትን ኤርትራ፡ ቅድሚ ወቕቲ ክራማት፡ ኣብ ምኽዕባት እቶት ዝሕግዝ ደገፍን ኣገልግሎትን፡ ኣብ መላእ ሃገር ንዝርከቡ ሓረስቶት ብናጻ ከምዝገብር፡ ብ4 ሚያዝያ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ኣፍሊጡ።

ኣብ’ቲ ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይ፡ ኣቦ መንበር ህግደፍ ዞባ ማእከል ኣቶ ዮሱፍ ሳይቕ፡ ከምኡ’ውን እቲ ጉዳይ ብቐጥታ ዝምልከቶም ሓለፍቲን ሓረስቶትን ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ፡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኮርፖረሽን ጥሪትን ዘራእትን ሜጀር ክብራኣብ ኣብርሃም፡ መንግስቲ ብልዑል ናይ ወጻኢ ሸርፊ ዘእተዎ – ከም ድዂዒ፡ ዘመናዊ ማሽነሪ ሕርሻ፡ ምሩጽ ዘርኢ፡ መድሃኒት ዘራእትን ጥሪትን ንሓረስቶት ብናጻ ከመቓርሕ ተዳልዩ ምህላዉ፡ ሓረስቶት ድማ እቶቶም ብርትዓዊ ዋጋ ብቐጥታ ናብ ተጠቃሚ ሕብረተሰብ ክሸጡ ትጽቢት ከም ዝግበር ኣረዲኡ።

ሜጀር ክብራኣብ፡ ፍርያት ሕርሻ ናብ ዝተፈላለየ ዕዳጋታት ሃገር ንምብጻሕ፡ መንግስቲ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ንጥሪትን ምህርቲ ኣሕምልትን ፍረታትን፡ ከምኡ’ውን ንውጽኢት ጸባን ስጋን ዘገልግላ መዝሓሊ ዘለወን መካይን ክቕርብ ምዃኑ፡ ፋብሪካታት መግቢ ጥሪትን ካልእን ንምውዳድ ድማ፡ እቲ መስርሕ ኣብ ምጅማር ከምዝርከብ ገሊጹ።

መንግስቲ መነባብሮ ዜጋታት ንምምሕያሽ፡ ኣብ ሕርሻዊ ንጥፈታት ንሓረስቶት ደገፍ ክገብር’ኳ እንተጸንሐ፡ ብሰንኪ ምውቕቓዕ ዕዳጋታት፡ ጸጋታት ሕርሻ ናብ’ቲ ዝተሓተ ኣካል ሕብረተሰብ ከም’ቲ ዝግባእ ክበጽሕ ከምዘይጸንሐ፡ ነዚ ጸገም’ዚ ንምፍታሕ፡ ፍርያት ሕርሻ ካብ ሓረስቶት ብቐጥታ ናብ ተጠቀምቲ ዝበጽሓሉ ኣገባባት ንምትእትታው ይስራሓሉ ከምዘሎ እውን ሓቢሩ።

ተመሳሳሊ ርክባት፡ ኣብ ዝቕጽል መዓልታት ኣብ ኩለን ዞባታት ክካየድ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

Categories